ራእይና

ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚበቅዕ ህዝቢ እተዳሉ ቤተ ክርስቲያን

ተልእኾና

ወንጌል ብምስባኽ ንጥፉኣት ናብ ጐይታ ምምላስ፣ ንኣመንቲ ደቂ መዛሙርቲ ጌርካ ምዕባይ፣ ዲያቆናትን ካህናትን ንምፍጻም ራእይ ዚበቕዑ ጌርካ ምድላው።

መሪሕ ባህሪ ኣገልግሎት

ኣብ ሕብረት ብሓድነትን ፍቕርን ምዕያይ፣ ንምድሓን ብዙሓት ከኣ ዝሕተት መስዋእቲ (ዋጋ) ምኽፋል። (ፊሊ 2፣2፤ 1ቈረ 9፣22-23)

መግለጺ መሰረት እምነትና

ኵሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዚርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሄር ኣብ ንኣምን (እብ 1።1-6፤ ዘጽ 20።3,11፤ ዘዳ 4።39፤ ዘዳ 6።4፤ 1ቈረ 8።6፤ ኤፌ 4።6)፣

ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ብእኡ ህልው ብዝዀነ ወልድ ኣብ ዋህድውን ንኣምን (መዝ 2።7፤ ዮሃ 3።16፤ ግብ 16።31፤ 1ቈረ 8።6፤ ፊሊ 2።10-11)፣

ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኰነ ብመለኰቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝዀነ (ዮሃ 1።1፤ ዮሃ 10።30፤ ዮሃ 14።9፤ ዮሃ 16።15,28፤ ዮሃ 3።19)፣

ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ብዘይክኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን (ዮሃ 1።3፤ ቈሎ 1።16)፣

ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማይ ዝወረደ። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ። ሰብ ኰነ (ኢሳ 7።14፤ ማቴ 1።18፤ ሉቃ 1።35፤ ገላ 4።4)፣

ሰብ ኰይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ። መከራ መስቀል ተቐበለ። ሞተ። ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ተንስአ (ኢሳ 53።4-5፤ ማቴ 27።12,24-26,50,59-60፤ 1ቈረ 15።3-4,14፤ ማቴ 28።6፤ ሉቃ 24።5-7፤ ዮሃ 3።13)፣

ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ (1ጢሞ 3።16)፤ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ምውታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ። ንመንግስቱ መወዳእታ የብሉን (ዳን 2።44፤ ዳን 7።13-14፤ ሉቃ 24።50፤ ማቴ 28።2-4፤ ግብ 1።9-11፤ ግብ 7።55፤ ማቴ 16።27፤ ሉቃ 1።33፤ 1ተሰ 4።16)፣

ጐይታን መሕወይን ብዝዀነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን፣ ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፣ ንሱ ብነብያት ዝተዛረበ እዩ (ግብ 28።15-29፤ ኢሳ 6።9-10፤ ማቴ 28።19-20፤ ማር 12።36፤ ዮሃ 15።26፤ 2ጴጥ 1።21፤ 1ዮሃ 5።7)፣

ልዕሊ ኵሉ ብዝዀነት ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን (ማቴ 16።18፤ ኤፌ 5።25-27)፣

ሓጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ ጥምቀትውን ንኣምን፣ ትንሳኤ ሙታንን ንዘለኣለም ዚመጽእ ህይወትን ተስፋ ንገብር፣ ኣሜን! (ኤፌ 4።5፤ ግብ 2።38-39፤ 1ጴጥ 3።21፤ ዳን 12።2፤ ማር 12።25-27፤ ዮሃ 3።5፤ ዮሃ 5።28-29፤ ፊሊ 3።20-21)፣