Posted on Posted in

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ! ኣሜን! ርስቶም ወደይ ከመይ ቀኒኻለይ፧ ኣነ ኣቦኻ እግዚኣብሄር ይመስገን ብጸጋ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ኣለኹ። ካን ኣነ እንተ ጠፋእኩስ ንስኻ’ከ ደሃየይ ኣይትገብርን ዲኻ፧ ካብቲ ጽሑፍካ እኰ ድምጺ ኣምላኽ እሰምዕ፡ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዚተሞርኰሰ ምዝርራብና እግዚኣብሄር ባህ ኢልዎ ከም ዚሰምዖን ንዝኽሪ እውን ብጽሑፍ ከም ዜስፍሮን ኣብ ሚልክያስ 3፡16፤ “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።“ ተጽሒፉ’ዶ ኣየሎን፧ […]

Posted on Posted in

እቲ ዘይፍተን ባዕሉ’ውን ንሓደ እኳ ብእኩይ ዘይፍትን ኣምላኽ፡ ሓደ እዋን መመክሒ ብዘይብሉ ውልቀሰብ ንህዝቡ ኬድሕኖ ምስ ፈተወ ናብቲ ካብ ድኻ ዓሌትን ንእሽቶይ ካብ ስድርኡን፡ ግናኸ ሓላፍነት ስድራ ወሲዱ እቲ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዚስራሕ ስራሕ፡ ጸላኢ ምእንቲ ኬየበላሽወሉ ኣብ ገደና ዀይኑ ኣብ መጽሞቕ ወይኒ እኽሊ ዚዘብጥ ንዝነበረ ጊደዎን፡ ኣዒንቱ ኣውደቐሉ። እግዚኣብሄር ነእዳው ጊደዎን ከም እጀ-ቤዛ ኪጥቀመለን ምስ ፈተወ፡ ምስኡ ምዃኑን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ሓያልን ጅግናን ምዃኑ ብምብሳር ኣጀገኖ። እቲ ጅግንነት ዋላ እኳ ኣብ ልቡ ተሰሚዕዎ እንተ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ምህላዉ […]

Posted on Posted in

 ርስቶም ወደይ፡ ደሃይ ኣጥፊእካለይ ቀኒኻ። ኣይግድን! ከብዲ ወላዲ እምበር’ዩ። ኣሽንኳይ ምጥፋእ ደሃይ ተወሲኽዎ፡ ብዘይብኡ’ኳ እዚ ልበይ ዘይቆመለይ። “ኣዴኻ ትብሎ ኣይግበረልካ—” ከም ዚበሃል፡ እንቋዕ ከምቲ ዚበቀካ ልበይ ዚብሎ ኣይኮነ!! አረ እንሓንሳእሲ “መልእኽቲ ኣኽቢደሉ ዶኾን ኲርይ ኢሉኒ፡” እናልኩ እየ ዝስከፍ። እቲ ጥበበኛ ሰለሞን እንድዩ፡ “ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሓይሽ” እናበለ ዜተባብዓኒ ዀይኑ ኸኣ (ምሳ 27፡5)። ኣነዶ ንኣኻ ዝምልኣልካ ሃልዩኒ፡ የግዳስ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣለኹም […]

Posted on Posted in

“ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና” መዝ 90:12 365 መዓልትታት ሓሊፈን፡ ክንደይ ካብአን ኮን ምስ ኣምላኽ ኮይንና ቖጺርናየን? እግዚኣብሄር እንተዘይምሂሩካ፡ መዓልትታትካ ብዝግባእ ክትቖጽር ኣይትኽእልን ኢኻ። መዓልትታት ምቑጻር ንህጻናት እንምህሮም መባእታዊ ነገር እዩ ዝመስል፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ ዓብዩ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ዳዊት ፡ ከም ሓደ ዓብዩ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ክመሃሮ ጸልዩ። መዓልታትካ ምቁጻር  እንታይ ማለት እዩ? 1. ብየዕለቱ ኣብ ደገ እግዚኣብሄር እንጸናዕካ ንዕኡ ምስማዕ። ○     እቲ እዝኒ ዝፈጠረ “ኣየ ህዝበይ እንትዝሰምዓኒ” ኢሉ ይሓትት። ኣእዛን ከለካ ዘይሰምዕ፡ ኣዒንቲ ከለካ፡ ዘይምርኣይ ድርብ […]

Posted on Posted in

ወዲ ሰብ  ብህይወት ዝነብረለን መዓልታቱ ዝፈልጥ ኣይኰነን። ኣብዛ ምድሪ ተወሊዱ፡ ዓብዩ ድሕሪ እርግናኡ ወይ ኣብ ሞንጎ ዕድሜኡ ብሞት እዩ ዝድምደም። ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ግን ዝኰነ ሰብ ሓጐስን ሓዘንን ከይረኣየ ዝሓልፍ የለን። ትርጉም ህይወት ግን ብሓጐስ ዲኻ ሓሊፍካየን ብሓዘን ዘይኰነስ፡ ብዘመንካ ንመን ኣኽቢርካ ኢኻ ሓሊፍካ እዩ እቲ ዘገድስ። ከም ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተጸዋዕና ህዝቢ፡ ንኣምላክ ኣኽቢርና ክንሓልፍ ካብዚ ዝዓቢ ትርጉም ህይወት የለን። ስለዚ ድማ እዩ ዘማራይ ዳዊት ኣብተን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መዓልታት ብጥንቃቐን ብፍርሃትን ምእንቲ ኪመላለስ፡ ጥበበኛ ልቢ ኪረክብ መዓልታቱ ኪቆጽር ንእግዚኣብሄር ምሃረኒ […]

Posted on Posted in

እዛ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቕዱስ ጽሑፍ ዝዛረበላ ከመይ ዝበለት እያ፧ ካብቲ ኩልና እንፈልጦ መንግስቲ ዓለምክ እንታይ ይፈልያ፧ 1.      ዘልኣለማዊት እያ (ናይ ግዜ ገደብ የብላን)፥ 2 ጴጥ. 1:11 ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ። 2.      ዘይትናወጽ መንግስቲ እያ እብ. 12:28  እምበኣር ዘይትናወጽ መንግስቲ ካብ እንቅበል መመስገንቲ ንኹን። ·         ንጻሩ ኩሉ ፍጡር ዝናወጽን ዘልግስን እዩ። እብ. 12:27 “ደጊም ንሓደ ግዜ” ዚብል ቃል ከኣ እቲ ዚናወጽ ፍጡር ዘበለ ኹሉ ከም ዘልግስ፤    እቲ ዘይናወጽ ከኣ ጸኒዑ […]

Posted on Posted in

ጽልዋ ማለት ንሓደ ካልእ ኣካል ብሓደ ባህሪ፡ ኣካይዳ፡ ኣረኣእያ ወዘተ ብኣዝዩ ርኡይ ዓቀንን ደረጃን ክትልውጦ ናይ ምኽኣል ብቕዓት እዩ። ሰብ ብሰብ ይጽሎ፡ ታሪኽ ዓለም ከኣ ብሰብ ይፍጸምን ይጽሎን። ኣብ ታሪኽ ዓለም ከምእነንብቦ ንዓለም ብኣዎንታ ወይ ብኣሉታ ዝጸለዉ ብዙሓት እዮም። ገሊኦም ንሰናይ ግብሪ ብሰናይ ሕልና ብምብጋሶም ንብዙሓት ሰናይ ነገር ገይሮም ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሓት ጽቡቕ ንኽገብሩ ደሪኾም ወይ ጸልዮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብኽፍኣቶምን ጭካኒኦምን ንብዙሓት ጎዲኦም ጥራይ ዘይኰነስ ክፉእ’ውን ምሂሮም እዮም። ኣብ 1809 ተወሊዱ ኣብ 1965 ዝሞተ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብርሃም […]

Posted on Posted in

“መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ” ይብል እግዚኣብሄር። ኤር 30፥24 ልብኻ ናበይ ገጹ ይስሕበካ? ናብ ኣምላኽ ዝድርኽ ልቢ ዶ? ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ቃሉ ዝዓቖረ ልቢ ዶ? ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ናብ ስስዔ ገንዘብ ዘይዘበለ ልቢ ዶ? ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ። ቃል ኣምላኽ ርስቱ ዝኾነ ልቢ ዶ? ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ። ንቃሉ ክእዘዝ ዝደነነ ልቢ ዶ? ስርዓታትካ […]

Posted on Posted in

ርስቶም ወደይ፡ ከመይ ኢልካ ቀኒኻ፧ ስልኪ ኻብ እትድውል ንደሓር፡ ንሓያሎ እዋን እምበር ጠፊእካኒ ኣሎኻ። ”ደብዳቤ እንተሰደደለይ’ዶ ይሕሸኒ ስልኪ እንተደወለለይ፧” ኢለ ኣብ መንጎ ኽልተ ምርጫ ተቐርቂረልካ’የ ቐንየ። እቲ ድምጽኻ ምስማዕ ባህ እዩ ዝብለኒ። ግን ከኣ ደጊምካ ኽትሰምዖ ስለዘይከኣል ሓድጊ ወይ ኣሰር የብሉን። መዓልቲ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን ካብ ልብኻ እናሃሰሰ እዩ ዚኸይድ። ደብዳቤ ግን ዕምሩ ነዊሕ፡ ኣሰሩ ኸኣ ዘይሃስስ እዩ። ኣብ ዝደለኻዮ እዋን፡ ሓንቲ ኸየጉደለ ኸምታ ዘለዋ እዩ ዚጸንሓካ። እንተ ደለኻ ቐትሪ ’ተደለኻ ለይቲ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ደጋጊምካ ኽትነብቦ ትኽእል ኢኻ። ምስሊ […]