እቲ ዘይፍተን ባዕሉ’ውን ንሓደ እኳ ብእኩይ ዘይፍትን ኣምላኽ፡ ሓደ እዋን መመክሒ ብዘይብሉ ውልቀሰብ ንህዝቡ ኬድሕኖ ምስ ፈተወ ናብቲ ካብ ድኻ ዓሌትን ንእሽቶይ ካብ ስድርኡን፡ ግናኸ ሓላፍነት ስድራ ወሲዱ እቲ ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዚስራሕ ስራሕ፡ ጸላኢ ምእንቲ ኬየበላሽወሉ ኣብ ገደና ዀይኑ ኣብ መጽሞቕ ወይኒ እኽሊ ዚዘብጥ ንዝነበረ ጊደዎን፡ ኣዒንቱ ኣውደቐሉ። እግዚኣብሄር ነእዳው ጊደዎን ከም እጀ-ቤዛ ኪጥቀመለን ምስ ፈተወ፡ ምስኡ ምዃኑን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ሓያልን ጅግናን ምዃኑ ብምብሳር ኣጀገኖ። እቲ ጅግንነት ዋላ እኳ ኣብ ልቡ ተሰሚዕዎ እንተ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ምህላዉ ግን ብምልክት ኬረጋግጽ ደለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ብዝሓተቶ ኩሉ መረጋገጺ ኣረጋገጸሉ። ግዴዎን በዚ ልቡ ጸኒዑ መለኸት ምስ ነፍሐ 32000 ህዝቢ ከተተ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ዚወጻሉ ምኽንያት ርእሶም ኬድሕኑ ብዘይ ምኽኣሎም ስለ ዝነበረ መመክሒ ኪገድፈሎም ኣይደለየን። ስለዚ ኸኣ ንግዴዎን እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ ንጸላእቱ ሰጒገሉ ክነሰይ ጽባሕ ኢደይ ኣድሒናትኒ መታን ከይብል ኣብ እዝኑ ፈራሕን ተሸባርን ይመለስ በል በሎ። ምኽንያቱ፡ ፈራሕ ነቲ ኣይትፍራሕ ዚበለ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመኖ እዩ ፈራሕ ኰይኑ። ኢዱ ኪሰድድ ከሎ’ውን ዓይኑ ስለ ዚዕምት፡ ነታ እትወቅዕ ኢድ ኣምላኽ ኪርእያ ስለ ዘይክእል፡ ሚዛን ናይ ኢዱ ንጸላኢኡ ዜውደቐሉ ኰይኑ እዩ ዚስምዖ። ጊደዎን ከምኡ ምስ በለ 22,000 ተመልሱ። በቶም ዚተረፉ 10,000 ሰባት እውን እግዚኣብሄር ኣይተሓጎሰን። ኣብ ተመጣጣኒ ዕጥቂ ዝዓጠቁ ሰራዊት፡ ሓደ ንዓሰርተ ከም ዓቢ ቅያ እኳ እንተዀነ ዓሰርተ ሽሕ ከም ኣንበጣ ንዚምብዝሑ ሰራዊት ኪገጥምን ልዕሊ 120,000 ሴፍ ዚመልሑ ጀጋኑ ኪቐትልን ምስ ሕሉፍ ቅያ ደቂ ሰባት መታን ከይዳረግ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቊጽሪ ኣዝዩ ኪጎድል ደለየ። እቶም ብኣዒንቶም ብልቦምን ንህይወቶም መዚኖም ዘይምብቅዖም ዚተኣመኑ ሰባት ምስ ወድኡ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ብቑዓት ምዃኖም ልቦም ዝመስከረሎም ግናኸ ዚጎድሎም ነገር ዘለዎም መታን ኪንክዮም ንጊደዎን መታን ኪፍትነሉ ናብ ማይ ኪወስዶም ኣዘዞ። ናብቲ ማይ ምስ በጽሑ ማይ ኪሰትዩ ኣዘዞም። ነቶም ኣሳትያ ከልብን ተደቢሮም ዚሰትዩን ንበይኖም፡ ነቶም ብሕፍኒ ዚሰትዩ’ውን ንበይኖም ኪፈልዮም ነገሮ። እግዚኣብሄር ኣብ ሞንጎ እዚ ክልተ ኣሳትያ እዚ፡ ዋላ እኳ ኩላቶም ንውግእ ዚወረዱ (ዘንቀዱ) እንተበሩ ነቶም ብሕፍኒ ዚሰትዩ መረጸ።

ማይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 722 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። ማይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተምሳሌት ናይ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ ኤፌ 5፣25-27፤ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።” ከምኡ’ውን ኣብ ኢሳ፡ 55፣10-12″ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።” ብምባል ተምሳልነቱ ምስ ማይ የተሓሕዞ። ኣብ ዮሃ 13፣ 5-10 ጎይታ ብማይ ኣእጋሮም ከም ዝሓጸቦም በቲ ምሕጻቦም ከኣ ኩለንትንኦም ንጹሃት ምዃኖም ክምስክር እንከሎ ኢና እንርኢ። ከምኡ ውን ኣብ ህዝ፡47 ማይ ፈውሲ ሙዃኑ ኢና እንርዳእ።

ስለዚ ንእግዚኣብሄር ንዕይኡ ዝለዓለ መለክዒኡ ቃሉ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ስለዚ እግዚኣብሄር ፈራሕን ተሸባርን መሊሱ፡ ነቶም ብርእሶም ብቑዓት ምዃኖም ዚሓስቡ ሰባት ከኣ፡ ዕዮ ኣምላኽ (ውግእ ኣምላኽ) ክትዋጋእ ፈቲኻ ከምቲ ሕጉ ምስ ዘይትዋጋእ ናብ ዓወት ስለ ዘይትበጽሕ፡ ንዓኣቶም እውን ንዓቀይታይ ከም ዚግባእ ድዮም ዚሰትዩ ወይስ ነቲ ዝስከምዎ ዘለዉ ዓብይ ዕዮን ሕድርን ዘይበቅዕ ኣሳትያ ገባራይ (ጸላኢ ከምዘይብሉ) ከም ዚሰትዩ ምእንቲ ኪመምየሉ ናብቲ ቀዳማይ መምዘኒኡ ናብ ማይ ኬውርዶም ኣዘዞ። ምስ ወረዱ እቶም ዘይብቑዓት ዝተባህሉ እቶም ኣሳትያ ከልብን ተደቢሮም ዚሰትዩ እዮም ኰይኖም። ብቑዓት ከኣ እቶም ብሕፍኒ ዝሰተዪ። እቶም ካልኦት እንስሳታት’ ከ ብኣፎም’ዶ ኣይኰኑን ዚሰትዩ፧ ንምንታይ ደኣ እግዚኣብሄር ኣሳትያ ከልቢ ብምባል ዚፈለዮ፧ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከልብን ኣመንዝራን ፍንፉናት ስለ ዚዀኑ ስጋ ኸልብን ዓስቢ ኣመንዝራን ንቤት ኣምላኽ ኪኣቱ ከም ዘይግባእ እዩ ዚዛረብ፡ ዘዳግም 23፡18፤ “ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ”። ኣብ 2ይ ጴጥሮስ 2፡22፤ “ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።” ነቲ ናይ ከልብን ሓሸማን ዕሽነት ከኣ ኣብ ምሳ 26፣11 ከም እተጠቕሰ ፍሉይነቱ ኣብ ምድግጋሙ ምዃኑ እዩ።

ኣብዛ ጉዳይ እታ መዐቀኒት እታ ኣሳትያ ነበረት። ኣሳትያ ከልቢ:- ከልቢ እንክሰቲ ብልሳኑ (ብኣፉ) ስለ ዚሰቲ ጽሬት ናይቲ ማይን ናብ ኣፉ ዚኣትዉ ተህዋስያንን ናይ ምርኣይ ዕድል የብሉን። ብብርኩ ተንበርኪኹ (ተደቢሩ) ዚሰቲ’ውን ናይ ውግእ ዕጥቁ ኬቐምጥ ይግደድ እዩ፡ ከባቢኡ ስለ ዘይቆጻጸር ጸላኢኡ ብቐሊል ኬጥቅዖ ስለ ዚኽእልን ውግእ ኣምላኽ ኪዋጋእ ኣይበቅዕን እዩ።፡ ነዚ እዩ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰባት ንዕዮ ኪመርጽ እንከሎ ኣብ ቦታ ዘይብቑዓት ዝመደቦም። ኣብ ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዝረኣኽዎ ከልቢ ትፍኡ ዚበልዓሉ ምኽንያት ኩርኩር እንከሎ (ብንኡሱ) ነቲ ዕጹም መግቢ፡ ኣዲኡ ኣብ ኣፋ ኣዳቒቃ ትህቦ እሞ ንዕኡ ብምምጋብ ስለ ዚዓቢ፡ ዋላ እኳ ዕጹም ምግቢ ምብላዕ እንተኸኣለ ነቲ ባህሪ ህጻንነቱ (ኩርኩርነቱ) ስለ ዘይሓድግ እዩ ትፍኡ ዚምገብ። ብሕፍኒ ዚሰትዩ (ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዚሰትዩ) ብሕፍኒ ዚሰትዩ ሰባት ነታ ካብቲ ሩባ ድዩ ቀላይ ወይ ወሓዚ ዚቐድሕዋ ማይ ጽርይቲ ምዃናን ተጓዳእቲ ከም ዘይብላን ኣረጋጊጾም እዩም ዚሰትዩ። ብኢዶም ስለ ዚሰትዩ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይደኑ እውን ናይ ውግእ መሳሪሒኦም ኬውርዱ ኣይግደዱን እዮም። ነህምያ 4፡17፤ “እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከኣ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ።18፤ እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከኣ ኣብ ጥቓይ ነበረ።” ነታ ዝሰትይዋ፡ ተጋዳእቲ ተህዋስያን ከምዘለዋ እንተ ርእዮም ከኣ ካልእ ማይ ናይ ምርካብ ዕድል እንተ ዘይብሎም ነቲ ተህዋስያን ፈልዮም የውድቕዎ፡ ካልእ ማይ ናይ ምርካብ ዕድል እንተለዎም ግን ዘይዓበዩ ተጓዳእቲ ነገራት ኪህልውዎ’ውን ስለ ዚኽእሉ ብምሉኡ እቲ ማይ ደፊኦም ካሊእ ይሓፍኑ። ቀኒዖም ስለ ዚሰትዩ’ውን ከባቢኦምን ጸላእን ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ኣለዎም። ስለዚ እዩ ከኣ እግዚኣብሄር ነዚኦም ዓይነት ሰባት ውግኡ ኪዋግኡ ዝሓረዮም።

ክቡራት ህዝበ ክርስትያን:- እግዚኣብሄር ክስቶን ክስቶን ሒዝካ ኺድ ምባል ጠፊእዎ ወይ ከኣ በቲ ኩሉ-ፈላጢ ባህሪኡ መን ኣሳትያ ከልቢ ይሰትይ መን ከኣ ብሕፍኒ ይሰትይ ምፍላይ ስኢኑ ዘይኰነስ እግዚኣብሄር ኣብ ኣሰማምዓናን ኣሰታትያናን ኣመጋግባናን (ኣብ ኣሰማምዓ ቃል እግዚኣብሄር፡ ኣሰታትያናን ኣመጋግባናን ድማ ደረጃ ኣተሓሳስባና ስለ ዘርኢ) ብጣዕሚ ከም ዚግደስ ኪምህረና ስለ ዚደለየ እዩ። ዋጋ ከልቢ ንቤት ኣምላኽ ዘይኣትወሉ፡ ኣሳትያ ከልቢ ዘይምረጸሉ ምኽንያት ዋላ እኳ ብኣካልን ብዕድመን እንተ ዓበየ እቲ ህጻናዊ ባህሪኡ ዘይሓድግ ምዃኑ እዩ። ኣብ እብ፡ 6፣1-2 ናይ መጀመርያ ነገር ክንሓድጎ ከም ዚግብኣና እዩ ዚነግረና፡ 1ይ ቆረንቶስ 13 11፤ “ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።” ጳውሎስ ቆልዓ እንከሎ ዚገብሮ ዝነበረ ሕማቕ ከም ዘይምዃኑ፡ ሰብኣይ ምስ ኰነ ግን ነገር ቆልዓ ምሕዳጉ እዩ ዚዛረብ። እግዚኣብሄር ካብ ዚኣኸለ ሰብኣይ ናቱ (ዚኣኸለ ውሉዱ) ዚጽበዮ ነገር እንተሃልዩ ዋላ እኳ ቈልዓ እንከሎ ልቢ ቈልዓ ስለ ዚነበሮ ከም ቈልዓ እንተ ሓሰበን ከም ቈልዓ እንተ ተዛረበን፡ ሰብኣይ ምስ ኰነ ግን ነገር ቈልዓ ኪሓድግ እዩ ዚጽበዮ። እግዚኣብሄር ኣቦና ስለ ዚዀነ፡ ከምቲ ናይ ስጋ ወላዲና ቈልዑ እንከለና ንቑልዕናትና ዚኸውን ምግቢ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ዚወስድን፡ ጥዕናዊ ዘይምቹእነት(ቃንዛ) መታን ከይስምዓናን ድሌታትና መታን ከይንስእንን ምቁራት ብዝዀኑ ነገራት እናማልአ ዘዕብየና፡ ንዓቕሚ ኣዳም ኣብ እንበጽሓሉ ግዜ ርእስና ናይ ምኽኣል ዕብየትና ብግቡእ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ርእዩ ይሕጎስ፡ ዓቕመ ሰብኣይ ኣብ እንበጽሓሉ ግዜ ኸኣ ብኣና ዘርኢ ኣምላኽ ምእንታን ከነባዝሕ ሓላፍነት ዜሰክም ሕብረትን ብድሕሪኡ እውን ንዕኦም ዚጥውር ልቢ ምስ ዚርእየልና ብኣና ይዓግብ። ከምኡ እውን እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ንምድሓን ንሓድሽ ፍጥረት ምስ ተወለድና፡ ንምድሓን ምእንቲ ኪንዓብይ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ይምግበና። ምስ እንሓምም ምቅዋሙ ስኢንና( ተጻዋርነት ስኢንና) መታን ከይንመውት ብቕልጡፍ ይፍውሰና። የለን ዘይፈልጡ ውሉድ ስለ ዚሐዘ’ውን ብዝደለናዮ ዘበለ ይርከበልናን ይምግበናን፡ ናብ ብጽሕና ክርስቶስ ገጽና እናዓበና ክንከይድ ምስ ጀመርና ግን ድርኩኺት ብጽሕና ከም ዝበጻሕና ካብ ውልቃዊ ጠለባት ወጺና ፍቓድካ ይኹን ናብ ዚብል ምርዳእ፡”ንስጋኻ እትደልዮ ኩሉ ዘይኰነስ፡ ንነፍስኻ ዜድልያ ንስጋኻ ከም ዘይጎድላ ኣብ ምርዳእ ብምብጻሕካ” ይሕጎስ እሞ ዕዳ ፍቕሪ ንኽትውጻእ እቲ ንጴጥሮስ ዝሃቦ ሕድሪ ናባኻ ኣቢሉ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ ኣባጊዐይ ሓሉ፡ ኣባጊዐይ ኣብልዕ ዚብል ሓደራ ብምሃብ ዕዳ ፍቕርኻ ኪትውጻእ ዕድል ይህበካ።

ነቲ ዝተዋህበካ ዕድል ኣባኻ ንኺጸንዕን ንኽትበቕዖን ግን እግዚኣብሄር ካባኻ ዚጽበዮ፡-
ሀ –  ልቢ ቈልዓ፡ ሓሳብ ቈልዓ፡ ዘረባ ቈልዓ (ጠለባት ስጋን ህንጥይነቱን) ኪትሓድግ፣

ለ – ግብሪ ሃዋ 17፡11፤ “ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገር’ዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ። ቃሉ ኣብ እትምገበሉ ግዜ ካብቲ ስሩት መሰረት መታን ከየዝብለካ ከም ሰብ ቤርያ (ምርጫ ደግታት) ንእተንብቦን እትሰምዖን እትምህሮን ብዘልኣለማዊ ሓሳብ ኣምላኽ ኪትመዝን ።

ሐ –  ንኻልኦት ኣብ እተካፍለሉ ግዜ ኸኣ ብምርጫ ግዙእ ኣብርሃም ንወዲ ጐይትኡ ፡ዘፍ፡24፣14-19 “ስተ ነግማልካ’ውን ኪቐድሓለን እየ” ዋላ እኳ ካሊእ ቀዳምነታት እንተሃለወ ካብ ምርጫ ኣምላኽ ምእንታን ከይትተርፍ፡ ናይ ኣዋርሕ ማይ ብሓንሳብ ንእትሰቲ ገመል ክሳዕ ዚኣኽላ ንምቕዳሕ ፍቓደኛ ብምዃን፡ ጉዳይካ ኣወንዚፍካ በታ ንእሽትቶይ ዓቕምኻ ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ብምውፋይ ልቢ ቕዱሳንን ጽሙኣትን ምቕሳን ( ርብቃ ዋላ እኳ ኣብ ገዛ ዚጽበያ ውልቃዊ ስራሕ እንተሃለዉ፡ ንጋሻ ምቕባል ንእግዚኣብሄር ምቕባል ምዃኑ ተረዲእዋ ስለ ዚነበረ ውልቃዊ ጉዳያ ኣወንዚፋ ኣግማል ማይ ክሳዕ ዚረውያ ማይ ንምቕዳሕ ውልቃዊ ጉዳያ ከተወንዝፍ ከላ ኢና ንርእያ)።

ዕዮ ኣምላኽ (ውግእ ኣምላኽ) ኪዋጋእ ዚፈተወ ኣማኒ ኸኣ ነቲ ምእንትኡ ዚሞተ ጎይታ ኪነብር ስለ ዚግብኦ፡ ከም ርብቃ ውልቃዊ ጉዳዩ ኣወንዚፉ ዕዮ ኣምላኽ ንምዕያይ ናይ እግዚኣብሄር ነገር ዜቐድም ምዃኑ ኬርኢ ይጽበዮ። 2ይ ቆረንቶስ 5፡15፤ “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ”። ዕላማ ሞት ክርስቶስ ካብ ዚጠልቦም ቀንዲ ነገራት፡ ምእንትኡ ምንባርን ፣ ንዕኡ ምቕዳምን፣ ስሊኡ ምስዋእን እዮም። 2ይ ጢሞቴዎስ4፥1-4፤”ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ”። ብግዚኡን ንዘይግዚኡን ዕዮ ኣምላኽ ከተቐድም።

መ –  እናቐዳሕካ ዕጥቅኻ ብዘይምውራድ ኣባጊዐይ ሓሉ ዚብል ሓደራኡ ሸለል ዘይምባል ነህምያ 4 ፡23፤ “ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።”
ዕዮ ኣምላኽ(ምሕላው ኣባጊዑ) መታን ከይጸንዕ( ከይውሕስ) “ከነስቲ እዩ ግዴና እምበር ነተን ኣባጊዕ ምሕላው ግደ ኣምላኽ እዩ” (ተህዋስያን ንዘለውዎ ማይ ዓይንኹም ዓሚትኩም ስተይዎ) ዚብል ነባጊዑ ንጸላኢ ዜሳጥሕ ሽርሒ ናይ ሰይጣን ብዘይምስማዕ (እናብላዕካን እናሓለኻን ወይ’ውን እናሓለኻን እናብላዕካን) ምሉእ ዕዳ ፍቕሪ ብምፍጻም ክትውፈይ።
ነዚ ዚመስል ነገራትን ምስ እንሕሉ፡ ዕዮ ኣምላኽ ንምዕያይን ውግእ ኣምላኽ ንምውጋእን ሕርዮት ኣምላኽ ኣባና ይጸንዕን፡ እግዚኣብሄር ኪስዕር እንከሎ ብቐረባ ናይ ምዕዛብ ሓለፋ ንረክብን። ኣሳትያ ማይና ከመይ ኰን ይመስል፧
ኣሳትያ ከልቢ’ዶ ወይስ ብሕፍኒ፧


ብበረኸት መንግስትኣብ