እዛ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቕዱስ ጽሑፍ ዝዛረበላ ከመይ ዝበለት እያ፧ ካብቲ ኩልና እንፈልጦ መንግስቲ ዓለምክ እንታይ ይፈልያ፧

1.      ዘልኣለማዊት እያ (ናይ ግዜ ገደብ የብላን)

2 ጴጥ. 1:11 ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።

2.      ዘይትናወጽ መንግስቲ እያ

እብ. 12:28  እምበኣር ዘይትናወጽ መንግስቲ ካብ እንቅበል መመስገንቲ ንኹን።

·         ንጻሩ ኩሉ ፍጡር ዝናወጽን ዘልግስን እዩ።

እብ. 12:27 “ደጊም ንሓደ ግዜዚብል ቃል ከኣ እቲ ዚናወጽ ፍጡር ዘበለ ኹሉ ከም ዘልግስ፤    እቲ ዘይናወጽ ከኣ ጸኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ ኢዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትእቶ፧

1.      ካብ ላዕሊ ብምውላድ

ዮሃ. 3:3  ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።

2.      ነቲ ቃል መንግስቲ ከም ቆልዓ ኰንካ ብምቕባል  ሉቃ 18:17

ማር 10:114-15 ኢየሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

መንግስቲ ኣምላኽ ካብ መዓስ ክትእወጅ ጀሚራ፧

      ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ጀሚራ 

ሉቃ 16:16  ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ።

ሉቃ 17:20-21 ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።

ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዝብል እዩ፥

      ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ። ማር 3:24

ማር 3:24 ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።

መልእኽቲ ወንጌል እንታይ ዝብል እዩ፧

  1. የሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ከም ዝሞተን ስለጽድቅና ድማ ከም ዝተንስአን  እንተኣመንካ ክትድሕን ኢኻ።

ሮሜ. 10:9-11 እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።


ብሓውና ዶ/ር እዮብ ሃብተ

ደቡብ ኣፍሪካ