ርስቶም ወደይ ከመይ ኢልካ ቐኒኻ፧ እቲ ዘፍቅሮን ዝህንጠዮን ደብዳቤኻ በጺሑኒ፡ ሕጉስ ኢለ እየ ቐንየልካ። እቲ ቛንቛኻ ከኣ ላዛ ዝመልኦ ምኡዝ ስለ ዝዀነ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ነቲ ብናፍቖትን ብሸቐልቀልን ዝረሰነ ልበይ የዝሕለለይ እዩ’ሞ ሃየ ኣይትብቀቐለይ!

ዘገርም እዩ ርስቶም ወደይ፡ ሎምቅነ ሽታ ጸሎተይ ተለዊጡለይ ቀንዩ፡ ጽቡቕ እየ ዘለኹ። ዝበዝሕ ግዜ ዋላ ብዙሕ ጸልየ ምስ ተንሳእኩ “ሎምስ ጽቡቕ ጸልየ ኣምላኽ ይመስገን” ኢለ ኣብ ዘመስገንክሉ እዋን እኳ፡ እቲ ልበይ ነቲ ባዕሉ ዝጸለዮ ጸሎት ምእማን ይስእኖ እሞ ስኽፍክፍ እናበለኒ እየ ዝውዕል። እቲ ጸሎተይ ካብቲ ናሕሲ ገዛና ንላዕሊ ፍሕት ምባል ስኢኑ፡ ኣብኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ዕግርግር ዚብል ዘሎ፡ ሽታኡ ድማ ከምዚ ቑሩብ ዝናብ ምስ ካፈየ ዝለዓል ዕብልኽ ኣቢሉ ምትንፋስ ዚኸልኣካ፡ ሓመድ ሓመድ እዩ ዚሽትት። ጽልእ አብሎ። “ከምዚ ገይሩ ንዓይ ዓቕለይ ዜጽበበለይሲ፡ ንኣምላኽ ደኣ እንታይ’ዩ ኪገብሮ፧” ዚብል ሓሳብ ይመጽኣኒ። “ዓለማዊ ጸሎት፣ ምድራዊ ጸሎት” ከም ዝጸለኹ ይፍለጠኒ። እግዚኣብሄር የርኢኻ!! ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ቀሪብካስ ምድራዊ ጸሎት ምጽላይ፡ ሰማያዊ ሰብ (ዜጋ) ተሰሚኻስ ኣብ ምድራዊ ሕቶታት ምውዓል፡ ምስ ምንታይ ኪቑጸር ይከኣል!! ነቲ ዝተጠቐምኩሉ ቃላት መሊሰ እንተ መርመርክዎ፡ እንታይ ክወጾ፧ መዓር ወለላ ዚጥዕም ወርቃዊ ቃላት እዩ። ጸሎት ብትሕዝቶ ቓላቱ ጥራይ ዚምዘን ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ጸሎተይ፡ ልዕሊ ናይ እያሱ፡ ንጸሓይ ንሓዋሩ ቐጥ ኢላ ደሪቓ ከም እትነብር፡ ልዕሊ ናይ ኤልያስ ንመሳኹትቲ ሰማይ ንሓዋሩ ተዓጽዩ ወይ ተኸፊቱ ከምዝነብር፡ ልዕሊ ናይ ሙሴ ንሰላማዊ ውቅያኖስ ንዘልኣለም ተጋሕቲኑ ኸም ዚነብር ምገበሮ ነይሩ። ዘጋነንኩ ኣይምሰልካ። እዞም ብጸሎቶም ሰማይን ምድርን ዝነቕነቑ፡ መኣዝን ታሪኽ ዝለወጡ ኣቦታት ዝተጠቕምሉ ቃላት ምስዚ ናተይ ቃላት ኬነጻጽሮ ከለኹ፡ ብዓይነቱ ዀነ ብብዝሑ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘለዎ። እንሓንሳእ’ውን “ናይ መደረ ልምምድ ድየ ኽገብር ጸኒሐ ወይስ ክጽልይ እየ ጸኒሐ” ኢለ ኽሳዕ ዝግረም እየ ዝኸውን።

ብድሕርዚ ብዛዕባ ጸሎተይ ክጽልይ ወሰንኩ። ዝገርመካ ገና ነዚ ክውስንን፡ ኣብ ውሽጠይ ጽቡቕ ለውጢ ኺስምዓንን ሓደ ዀነ። ብዛዕባ ጸሎተይ ክጽልይ ብርክኽ ምስ በልኩ፡ ገና ኣፈይ ከይከፈትኩ ብንብዓት ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፈሰሰት። ዝገርመካ ዘይከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝጽልዮ ዝነበርኩ፡ ንዝበዝሕ ትሕዝቶ ጸሎተይ ሕጂ ክዝክሮ ኣይክእልን እየ። ቁሩብ ዝዝከራኒ ቓላት፡ “ጎይታይ ጸሎተይ እንታይ እዩ ጸገሙ፧ በጃኻ ጸሎት መሃረኒ፧ ንምንታይ ኢኻ ጸሎተይ ተሓሲምካዮ፧ ንምንታይ ኢኻ ብጸሎተይ እትኹርይ፧” ዚብላ እየን። ካብ ዝተዛረብክዎ ንላዕሊ፡ እቲ ዝሰማዕክዎ ዚበዝሕ ኰይኑ እዩ ዚስመዓኒ። ካብ ኣፈይ ንላዕሊ ኣዒንተይ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ። ኣዒንተይ ጥራይ ዘይኮነ ልበይ ከይተረፈ እዩ ዚንኽነኽ ዝነበረ። ትሕዝቶኡ ኣነ ዘይሰምዖ “እህህታ” ዚጥዕም ድምጺ ኻብ ውሽጠይ ኪፈስስ ከሎ ተፈለጠኒ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይን ብዛዕባ ጸሎተይን ከቢድ ጓህን ሕፍረትን ይስምዓኒ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰበይ ግና ጥዒመዮ ዘይፈልጥ ሰላምን ህድኣትን ይስምዓኒ ነበረ። ዚገርመካ፡ ኣብ እግሪ ዓራተይ ኣብቲ ዝሑል ምድሪ ቤት ተደፊአ ዘሎኹ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቖምኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኩለንተናይ ብፍርሃት ኣምላኽ ተዋሕጠ። እቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ስፍራ ጸሎት ለውለው ዚብል ዝነበረ ልሳነይ ተቖሊፉ ምኽፋት ኣበየኒ። ርኽሰት ከናፍረይ ተራእዩኒ ፈንፈንክዎ። ቃላት ኣፈይ ዘይኰነስ ብቐንዱ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚኡ ተኻዕወት። ኣብ ብርቱዕ ብርሃን ከም ዝኣተወ ሰብ፡ እቲ ቕድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ርኽሰት ናውቲ ሰብነተይ ኩሉ ተራእየኒ። እቲ ኣምላኽ ዝኸደነኒ ልብሲ ምድሓን ከመይ ኣጋዕዝየዮ ከም ዝጸናሕኩ ምስ ረአኹ ሰንበድኩ። ምርስሑ ከይኣኽሎ ድማ ስለ ዘይተኣርነበ ሕፍረት ዕርቃነይ ተቐሊዑ ተራእየኒ። “ናብዚ ደረጃ እዚ ዘውደቐኒ መን እዩ፧ ንምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ምብልሻወይ ተሰዊሩኒ ጸኒሑ፧ ” ብዝብል ሕቶታት ውሽጠይ ተናወጸ። ሓደ ህዱእ ደሃይ:

“እዚ ወደይ፡ ገዛእ ፍቓድካ እዩ ጸላኢኻ፡ ካሊእ ጸላኢ የብልካን። ንኣይ ተምልኽ ዘሎኻ እናመሰለካ፡ ንፍቓድካ ኢኻ ክትግዛእ ጸኒሕካ። ልብኻ እዩ ጠቢሩካ። ንዓይ ከም መዓር ወለላ ብዝጥዕም ቃላት ክትጥብረኒ፡ መዓልቲ መጸ ንሰዓታት ክትቃለስ ከሎኻ ብዙሕ ጐዲእካኒ ኢኻ። ብጸሎትካ ንኢደይ ጠዊኻ ብሓይሊ፡ ባርያ ፍቓድካ ክትገብረኒ ብዙሕ ተጋዲልካ። ርእሰይ ገቲአ ደኣ ብምሕረት ጸይረካ እምበር፡ ብጸሎትካ ብቑጥዓ ዝነደድኩሉ መዓልታት ውሑድ ኣይነበረን። ብዓለማዊ ጸሎት ላሕ ኣቢልካኒ ኢኻ። ጸሎትካ ኣብ ቅድመይ ምኡዝ ጨና ዘይኮነ፡ ጺእ ዝጨንው ገምቢ እዩ ዝነበረ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣይ(ክትጽልይ) ክትመጽእ ከሎኻ፡ “መጸ ድማ ሕጂ” እየ ዝብል። ንኣኻ ናይ “ጸሎት” ጊዜ እዩ። ንኣይ ግን ዝድፈረሉ ናይ ውርደት ግዜ እዩ። ወረ ግርም ዝብለንስ፡ ኣብ ቅድሚ ብስጋ ዓበይቲ፡ ወለድኻ ዘይትገብሮስ ኣባይ በጺሕካ ኢድካ ኣብ ጁባኻ ኣእቲኻ ምዝራብካ እዩ፡ ካብቶም ዝደፈሩኒ ቐዲሕካዮ እንተዄንካ እምበር፡ “ኣቕሪበ እንድየ” ከይትብለኒ ጥራይ! ጎይትነተይ ኣሕዲግካ ባርያኻ ኽትገብረኒ ክትቃለስ ከሎኻ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ናባኻ ክመልስ እኽእል፧ በዚ ጸሎትካ እዚ ኣዝዩ ዝሕጐስ ዝነበረ ድያብሎስ ጥራይ እዩ። ንሱ ብጸሎት ደቀይ ክጉህን ክዋረድን ክርእይ ከሎ ደስ ይብሎ። ንስኻ ብእተጠበረ ልቢ ዓለማዊ ጸሎት ክትጽልይ ክርእየካ ኸሎ፡ መፈንጥርኡ ሰሪሓትሉ ብምርኣዩ ኣዝዩ እዩ ዚሕጎስ። ኩሉ ጸሎትካን ባህግኻን ናይ ምድሪ ጥራይ እዩ። ኪኖ እዛ ዘለኻያ ሓላፊት ዓለምን ህይወትን ኣማዕዲኻ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ውሒዱካ ኣሎ። ዋላ መንፈሳዊ ነገራት ክትልምን ከሎኻ እኳ፡ ንምድራዊ እምበር ንሰማያዊ ኣይኰንካን እትልምን። “ጸጋኻ፡ መንፈስካ፡ ውህበታትካ፡ ሓይልኻ ሃበኒ” ኢልካ ክትልምን ከሎኻ፡ በቲ ናተይ ቅዱስ ንብረት ምርኡይ ኴንካ ኽትርአይ፡ ካብ ኣሕዋትካ ጸብለል ኢልካ ክትርአይ እምበር፡ ኣነ ክኸብር፡ ዕዮይ ክሰልጥ፡ ጥፉኣተይ ኪድሕኑ ኣይኰነን። ኣብቲ ኣፍካ ኢኻ ከምኡ ትብል እምበር፡ እቲ ልብኻ ግን ካልእ እዩ መልእኽቱ። ኣነ ድማ በቲ ንኣኻ ዝጠበረ ቓላት ኣይጥበርን እየ። ንሓቂ ኣብ ውሽጢ እየ ዝደልያ። እዛ ጥበራ እዚኣ ካብቲ ኽፉእ ሰይጣን እምበር ካባይ ኣይወረስካያን። ነዚ ኹሉ ኣማኒ ሰብን ነዘን ኩለን ኣብያተ ክርስትያንን እዚ ጥበራ እዚ እዩ ዜዕንወን ዘሎ። ስለዚ ይትረፍ ንኣይ ባርያ ፍቓድካ ክትገብረኒ፡ ንርእስኻ’ውን ባርያ ፍቓድካ ካብ ምዃን ተናገፍ። ፍቓድ ኪህልወካ ዝፈቐድኩልካ፡ ንፍቓድካ ፈቲኻ ንፍቓደይ ከም ዚግዛእ ብምግባር ኣብ ቅድመይ መጐስ ኽትረክብ ኢለ እምበር፡ ባርያ ፍቓድካ ኴንካ ርእስኻ ናብ ታኼላ ጥፍኣት ክትሸምም ኢለ ኣይኰንኩን። ኣስተውዕል፡ ነቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ብስጋ ኣብ ማእከልኩም ክመላለስ ከለኹ ዝሓደግኩልካ ኣርኣያ ኣቕልበሉ። ፍቓደይ ክገብር ዘይደለኹ፡ ክፉእ ፍቓድ ስለ ዝነበረኒ ኣይኰነን። ፍቓደይ ናይ ምግባር ዓቕሚ ስለ ዝወሓደኒ፡ ወይ’ውን ኣቦይ ፍቓደይ ናይ ምፍጻም ስልጣነይ ስለ ዝገፈፈኒ ኣይኰነን። ካብ ኣቦይ ብዋላ ሓንቲ ዘይንእስ ማዕሪኡ ኽነሰይ፡ ፍቓደይ ንፍቓዱ ብምግዛእ ነቲ ሰማያዊ ጥበብ ከርእየኩም ስለ ዝደለኹ ጥራይ እየ። ነቲ “ኩሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ፡ ኩሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሓድጐን እየ። “ዚብል መልእኽቲ ኣይተቕልበሉን ዲኻ፧ ንስኻ፡ ኣብቲ “ኩሉ ተፈቒዱለይ” ዝብል ሓሳብ እምበር፡ኣብቲ “ኩሉ ኣይጠቅምን፡ ኣይሃንጽን እዩ፡ እቲ ዝተፈቕደለይ ነገር ኪመልከኒ ኣይሓድጐን እየ፡ ነፍሰይ ባርያ ፍቓደይን ባርያ እቲ ዝተፈቕደላ ነገር ኣይክትከውንን እያ” ዚብል ሰማያውን ሃዋርያውን ጥበብ ኣየቕለብካን። እቲ ንሰብ ዚጠቕሞን ጠቓሚ ዚገብሮን፡ እቲ ንፍቓድካን ነቲ ዝተፈቕደልካን ኩሉ፡ ባርያ ናይቲ ዝፈቐደልካ ኣምላኽ ምግባር እዩ። ኣስተውዕል፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሰማያዊ ናብራ ኽትነብር ዜኽእለካ፡ ህይወተይ ኣብ ህይወትካ ከም እትገሃድ ዚገብር፡ ንኹሉ ዓይነት መከራን ናይ ናብራ ግድላትን ክትንዕቆን ክትዕወተሉን ዚገብረካ፡ እዛ ባርያ ፍቓድካ ናይ ዘይምዃን ጥበብ እያ። ካልእ ኬተስተውዕሎ ዘሎካ ድማ፡ ንፍቓደይ ኣብ ጸሎትካ ዘይኰነስ ኣብ ናብራኻ ምስ እትግዝኣ እየ፡ ኩሉ ግዜ ከም ፍቓደይ ዝመርሓካን፡ ፍቓደይ ወርትግ ዝገልጸልካን። ንፍቓደይ ምግባር ከም ቀንዲ ዕለታዊ ምግብኻ ጌርካ ክሳዕ ዘይቆጸርካዮ ወርትግ ሕቘን ከብድን ኴንና ኢና ኽንነብር። ተጠንቀቕ፡ ንነፍስኻ ካብ ፍቓድካ ኣድሕና” ኢሉ ገንሓኒ።

ኣዝዩ ዜገርም እዩ። ለካ እቲ ኣዚና ኽንፈርሖ ዚግብኣና ዝጨከነ ኣራዊት ኣብ ውሽጥና እዩ ዘሎ። ዕድመይ ምሉእ ካብ ሰይጣን፡ ካብ ሕሱም ሰብ፡ ኣራዊት መሮር፡ ካብ ከቢድ ሕማም፡ ካብ መሪር ድኽነት፡ ካብ ኣሳልጦ ዘይብሉ ህይወት እናፈራህኩ ኣሕሊፈዮ። ዝገርመካ እዚ ኹሉ ዜፍርሃኒ ነገራት ርሒቑለይ ከሎ’ውን ቀሲነ ኣይፈልጥን እየ። ክብሪ ንስሙ፡ ሕጂ ግና ኣዒንተይ ከፊቱ፡ ነቲ ዕድመይ ምሉእ ተሰዊሩኒ ዝነበረ ጸላእየይ ኣርኣየኒ። ቅድሚ ሕጂ ነቲ ዜስግኣኒ ጸላኢ ኣብ ከባብየይ ሃሰው ኢለ ስኢነዮ ኽነሰይ ንምንታይ ዕረፍትን ውሕስነትን ከም ዘይስምዓኒ ምርዳእ ይኣብየኒ ነበረ። ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣዒንተይ ናብ ገዛእ ርእሰይ ክመልሰን ረድኣኒ። ኣብ ገዛእ ርእሰይ ጨከንኩ። ነዚ ርጉም ኣራዊት ሒዘ ኣብ ትሕቲ እግረይ ምስ ረገጽክዎ፡ ውሽጠይ ሰላም ረኸበ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ክሳዕ ዓጽመይ ዜንቀጥቅጡኒ ዝነበሩ ኣራዊታት ኰይኖም ዚረኣዩኒ ዝነበሩ ነገራት ተገርሑለይ። ኣብ ውሽጠይ ፍርሃት ኣምላኽ እምበር ካልእ ፍርሃት ዘይብለይ ኰንኩ። ሽታ ጸሎተይ ድማ ናብ ምኡዝ ጨና ተለወጠ። ቅድሚ ሕጂ ልክዕ ከም ኣህዛብ፡ ጸሎተይ ብምብዛሕ ቃላት ዝስማዕ መሲሉኒ ሊፍ ክብል ዝውዕል ዝነበርኩ፡ ሕጂ ግና እቲ ንጉስ ሰለሞን ፡
” – – – ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቃላትካ ሒደት ይኹን።”
ዝበሎ ቓል ተረዲኡኒ፡ መኣዛን ትሕዝቶን ጸሎተይ ተለወጠ (መክ፡ 5፥2-3)። ንጐይታይ ድማ “ካብ ፍቓደይ ኣድሕነኒ፡ ንፍቓደይ ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፡ ዓለማውን ሓጥእን ጸሎት ካብ ምጽላይ ሓልወኒ፡ ስጉምተይ ኬቕንዕ ዓቕሚ ዘይብለይ ድኹም እየ እሞ፡ ኣይትሕደገኒ። ኣብዛ ጥበራ ዝገነነላ ዓለም’የ ዝነብር ዘሎኹ እሞ ናብ ሓቅኻ ምርሓኒ።” ኢለ እምሕጸን ኣለኹ።

ገለ ነገር ንምግባር ወይ ንምርካብ ቃሕ ኪብለኒ ኸሎ፡ ዘይከም ቀደም ፍርሃት ኪስምዓኒ ጀሚሩ ኣሎ። “ዓሻ ድየ በራኺ፡ ዓሻኻ ድለይ” እብሎ ኣለኹ። እቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰለይ ኣይተገፈፍኩን። “እዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ትርሓቕ፡ እታ ሓንቲ ጽዋእ ግን ክሳዕ እተጀርብብ ምልእ ኣቢልካ ሃበኒ” ምባል ኣይሓደግኩን። ግን ከኣ “ፍቓድካ እንተ ዘይኰይና፡ ዘይትሃንጸንን፡ ዘይትጠቕመንን፡ ኣብ ትሕቲ እግራ ረጊጻ ትድህከኒ” እንተ ዀይና ግና ኣርሕቐለይ። እታ ንስኻ እትመርጻ ጽዋእ ጥራይ ክሰትይ’የ ዝደልይ” ምባል ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ተመክሮይ ኣሰኪሑኒ ደጊም ፈጊደ እየ። ዚገርመካ፡ ቅድሚ ሕጂ ነታ ዘይመርጻ ጽዋእ ኣመንጊጉ እንተ ዘይኰይኑ ብኸምኡ ኬስትየኒ ይኽእል ኣይነበረን። ክሳዕ ሞት እናጉሃኹን እናተመረርኩን ድማ እነብር ነበርኩ። ሕጂ ግን፡ ነታ ዝተመደበትለይ ጽዋእ ዋላ ከም ዕረ፡ ከም ሶኖ ትምረር፡ ባዕለይ ተቐቢለ ብኢደይ እየ ዝጭልጣ ዘለኹ። ዋላ ሕጂ ከም ሞት እንተ መረረትኒ፡ ዳሕራያ ግና ካብ መዓር ዝበለጸ ከም እትምቅር ተሰቚሩኒ እዩ። ካብ ብፍቓደይ ዚጥዕመኒ ብፍቓዱ እንተ ሓሰርኩ እየ ዝመርጽ። ሎሚ ብቐታሊ ሕማም ኪወስደኒ እንተ መሪጹ፡ ከም ህዝቅያስ ገጸይ ናብ መንደቕ መሊሰ ከም ቈልዓ ኣምሪረ ዝበኽየሉ ምኽንያት የብለይን።
ድሕሪ ሕጂ ከም እምባቆም ደኣ ብእግዚኣብሄር ብኣምላኽ ምድሓነይ እሕጎስን አመስግንን እምበር፡ “ኣታኽልተይ ኣይፈረየን፡ ጥሪተይ ጸኒተን፡” ኢለ ሰላመይ ከጥፍእን ክዘርግን ፍቓደኛ ኣይኮንኩን። ደጊም ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ ፍቓደይ ተባኢሰ ምስ ፍቓዱ ተዓሪቐ እየ። ደጊም ጐይታ “ባርያ ፍቓደይ፡ ጐይታ ፍቓዱ” ኢሉ ሰማያዊ ማዕርግ ሂቡኒ እዩ። ድሕሪ ደጊም፡ ካብዚ በሪኽ ቦታይ ክወርድ ኣይደልይን እየ። ካብዚ ቕዱስ ከረን እዚ ወሪደ፡ እቲ “ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማ’ውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት” ዚብል ምስላ ሓቂ ኣብ ልዕለይ ኪምሰል ኣየዋጽኣንን እዩ። በጊዕ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ እምበር፡ ከምቲ ትፋኡ ዜልምጽ ” እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሃቡ” ዝተባህለሉ ዓይነት ፍጥረት ክኸውን ኣይደልን እየ።

ርስቶመይ፡ ዓዲ ክትኣትው ትደልይ እንተ ዄንካ፡ ንዓይ ነቦኻ ስዓበኒ። ክርስትያን ምዃን ማለት፡ “ፍቓድካ ምትፋእ፡ ነቲ ቅዱስ ፍቓድ ጐይታኻ ድማ ምግብኻ ምግባር” ማለት እዩ። ካብቲ ኣብ ውሽጥኻ ኣድብዩ ዜበላሽወካ ዘሎ ኣራዊት ህደም። ንፍቓድካ ኣብ ትሕቲ እግርኻ እምበር ኣብ ልብኻ ኣይተስፍሮ። ልብኻስ ንፍቓድ ጐይታ ጥራይ ሕዝኣዮ። እቲ ንፍቓዱ ኬንግስ ዚደልይ፡ ንኣምላኽ ባርያኡ ኪገብር ዚደልይ ዓመጸኛ ሰብ እዩ። እቶም ንፍቓዶም ዚገዝኡ ቃልሶም ምስ ሰይጣን እዩ። እቶም ንፍቓዶም ዚግዝኡ ግና ምስ ኣምላኽ እዮም ውግእ ዚገጥሙ እሞ ኺጥብረካ ኣይተፍቅደሉ። እዛ ሓቂ እዚኣ ካብ ልብኻ ከይተጥፍኣ ተጠንቀቕ። ብኣንጻሩ ርስቶም ወደይ፡ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኣጸቢቕካ ምለካ እሞ ስበካ። ኣብዚ ውግእ እዚ ድማ ንበይንኻ ክትዋጋእ ኣይትፈትን። ካብቲ ዓውደ ውግእ ደኣ ኣይትርሓቕ እምበር፡ ንውግእካስ እግዚኣብሄር ኪዋግኣልካ ደኣ ሕደጎ። እዚ እዩ ጥበብ ክርስትያን። “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከም ዝበለና ኣይትረስዕ።

ርስቶም ወደይ፡ ኣነ ዝበጻሕክዎን ዝነብሮ ዘለኹን ከምዚ እዩ’ሞ ስዓበኒ። ከምቲ ብመልክዕ ስጋ “ነቦኡ እዩ ዚመስል” ዝተባሃልካ፡ በዚኣ’ውን ክትመስለኒ እብህግ ኣለኹ።
በል ሰላም ኩነለይ። ደሃይ ኣይተጥፍእ ኢኻ።
ጐይታ ፍቓድካ፡ ባርያ ፍቓዱ ይግበርካ!

ካብ ኣቦኻ