መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብይብል እግዚኣብሄር። ኤር 3024

ልብኻ ናበይ ገጹ ይስሕበካ?

  • ናብ ኣምላኽ ዝድርኽ ልቢ ?
    • ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።
  • ቃሉ ዝዓቖረ ልቢ ?
    • ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
  • ናብ ስስዔ ገንዘብ ዘይዘበለ ልቢ ?
    • ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
  • ቃል ኣምላኽ ርስቱ ዝኾነ ልቢ ?
    • ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ።
  • ንቃሉ ክእዘዝ ዝደነነ ልቢ ?
    • ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፣ ልበይ ኣድነንኩ።
  • ዘይዕበ ልቢ ?
    • ዎ እግዚኣብሄር፣ ልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።
  • ኣምላክ ዝምርምሮን ዝፍትኖን ልቢ ?
    • ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ።
  • ብእግዚኣብሄር ጥራይ ዝሕጎስ ልቢ ?
    • ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
  • ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዝውከል ልቢ ?
    • ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ።
  • ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝውከል ልቢ ?
    • እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
  • ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ልቢ ?
    • ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ ኣሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።
  • ጽድቂ ኣምላኽ ዘይሓብእ ልቢ ?
    • ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን።
  • ካብ ውሽጡ ንኣምላኽ ጽቡቅ ዝግንፍል ልቢ
    • ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
  • ክዝምርን ከመስግንን ዘንቀደ ልቢ ?
    • ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።
  • ኣብ ኣምላኽ ዘዕቑብ ልቢ ?
    • ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
  • እኩይ ዘይህቅን ልቢ ?
    • ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።
  • ንኣምላኽ ዝፈርሕ ልቢ ?
    • ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣  ልበይ ኣዳልዎ።
  • ምጽንናዕ ኣምላኽ ዝዝክር ልቢ ?
    • ጓሂ ልበይ አብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
  • ብፍጽምና ዝመላለስ ልቢ ?
    • አብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።

ናተይ ጸሎት እዚ እዩ። ናትካ/ናትኪ?


ብሓውና ሳሙኤል ኣብርሃ