Posted on Posted in

እዛ ሓዳሽ ዓመት እንከይተጀመረት
ምስ ገዛእ ርእሰይ ጀመርኩ ምጉት
ስርዕርዕ ኣቢለ ዝደልዮ ሸቶታት
ነዛ ጥሪ ፈጺመ ኣይተጸበኹን

ንሓደ መዓልቲ 10000 ስጉምታት
ኣዘዝኩሉ ስጋይ ክኸውን ንምጥዓይ
ኣይሰሙን ሳልስቲ ተወዳእኩ ድኻም
ቀጨውጨው……. እዋይ ጸገም!!!!

ጥቕሲ ተዘርዚሩ ክድግፍ ስንፍናይ
ስጋዊ ምልማድ ንቑሩብ ይጠቅም
ኢለ ጠቢረዮ ኣአንጊደ ትህኪት
ቁሪ ጥሪ ውን ፍጹም ኣይሓገዘን
ደመና ኣኽቢዱ :ተፊእዎ ዝናም
ወዮ ኣእጋር ተዓጺፈን ኮፍ
ኮቦርታ ወጺኡ ቁሩብ ከተዕርፍ

ኣበየናይ ማሕረስ ተዋዒሉ ትጎባጎብ??
ኣየ!! ያኢ ኣስቦርቲ ክስርሓለይ…
ትሩፍ……

ዮሃንስ ኣብቲ ሳልሳይ መጽሓፍ
ድለየለይ እሞ ከፊትካ ኣንብብ
ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡
ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን
እምነየልካ አሎኹ ዶ ኣይበለን?

ከምቲ ንነፍሲ :የድልዮ ስጋኻ
ምክንኻን ግዜ ዓዲግካ
ህያውን ቅዱስን ክትገብሮ
ግሃሉ ብኣግኡ እንከሎ

ርሓቕ ካብ ህሩፍ በላዕ ስጋ
ዝብል’ሲ ነቢብካ ዶ ኣሎኻ
እሞ ኸ? እንታይ ይመስለካ
ንጥዕና ምኽሪ ይኹንካ
እሞ ሃየ እንተሓመቕካ ሱግሚ
እንተነፋዕካ ክትጎዪ
ጀምር እሞ!!!!
1,2,3…….10000.


ብሓፍትና ብሌንዓይኒ እስክንድር

Posted on Posted in

ስምካ ማሕደር : ናይ ዝገሹ ሰባት

ተቐቢልካ ተዕርፍ : ተሳሲ ህያባት

ትቕበል ተአንግድ : ኣብ ኩለን ሰዓታት

 

ዝናኻ ወጺኡ : ተቐባል ድኹማት

ኣገልግሎትካ ዝንኣድ : ዘይፈጥር ሕቶታት

ትሕትናኻ ምቕሉል : ሰሓቢ ህቡባት

 

ዘረባኻ ምቑር : ማራኪ ነብሳት

ንስምዒት ዘርዊ : ዘሰራስር ኣእጋራት

ክውንነት ዘረስዕ : ዘዛኒ ዕላማታት

 

ኣዳራሽካ ምዕሩግ : ፈጣሪ ባሕታ

ዘንጸባርቕ መንደቕ : ዝመልአ መስቀላት

ውጻእ ዘይመጸካ : ፈጣሪ ሓጎሳት

 

ኣገልገልትኻ ምቑልላት : መሰልቲ ትሑታት

ከም መላእኽቲ ኣምላኽ : ወትሩ ሕጉሳት

ኣቀባብልኦም መሳጢ : መሰልቲ ሓቀኛታት

 

እንታይ ደኣ ኮይኑ…..

እንታይ ደኣ ኮይኑ : ስፍራ ስኢንካለይ

ብዙሕ እኮ ኣይሓተትኩን : እንትርፎ ምቕባለይ

በል ካብ ዘይብልካ : ክኸይድ ናብ መብልዕ ማለይ……

 

ብሓውና ሳሙኤል ኣብርሃ

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ ወጺኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ንምንታይ ኢና በደል ንሓድግ፡ እናተሓተ ዝልዕል፣ ከምኡውን መከራ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ወጺኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ምግላጽ ናይ እግዚኣብሄር ፣ መልሲ ጸሎት ምርካብ፡ ከምኡውን ብስም እየሱስ ምጽላይ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ወጺኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ዘክእል ክኢላ፡ ምግላጽ ናይ እግዚኣብሄር፣እግዚኣብሄር ስቕ ምስ ዝብል፡ ከምኡውን ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ዓሰርተ ክልተ ወጺኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፡ዘይሰምዑ ሰማዕቲ፣ ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ሚዛን ኣገልገልቲ፡ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ዓሰርት ሓደ ወጺኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ተነባቢ ህይወቱን፡ ኒቆድሞስ፡ሕቡእ ጋሻ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሸሞንተ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ግሩም ትንሳኤ፡ ቅንኢ፡ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

-ገርህነትና ከም ናይ ናትናኤል ንጐይታን ንሓቅታቱን ጥራይ ክሕዛእ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ። ገርህነት ዝኣክል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት፡ ነቲ ሰራቒ ዝኾነ ሰይጣንን መዓይይቱን እንተ መጢናዮ፡ ጉድኣት ነፍስና መዳርግቲ ኣይክርከቦን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– ሓደ ሰብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተኣምራትን ምግላጻትን ይሃልዎ ብዘየገድስ ትምህርቱን ፍረ ህይወቱን ካብ ሚዛን ቃል እግዚኣብሄር ከምልጥ ከም ዘይክእል ክንዝክር ይግባእ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– እቲ መግቢ ክብከል፡ እቲ መገዲ ክትምየን፡ እቲ ጎይታ ክጽረፍ፡ እቲ መጓሰ ክዝረፍ፡ እቶም ጓሶት ክዕነዱን ክዕዘሙን እናረኣኻ ስቕ ምባል፡ ብቓላት ኮነ ብሓሳብ ክትገልጾ ዘጸግም ሓደገኛ ክስተት እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– መንፈሳዊ ሓቂ ከም ፖለቲካዊ ሓቂ ብብዝሒ ሰብ ኣይልካዕን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– መጽሓፍ ቅዱስ ግን ፍትሓዊ ጥራይ ዘይኮነስ ክውንነታዊ’ውን እዩ። ክትግበር ዘይኽእል ኣብ መዓላ ዘይውዕል ሓቂ ገሊጹልና ኣይፈልጥን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– ብልጫ ቅዱሳን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ነቲ ዝገጠሞም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ምስቲ ንኣጋጣሚታት ዘጋጥም ኣምላኽ ኣዛሚዶም እዮም ዝርእይዎ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ጥራይ ኣየዛምድዎን እዮም። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

-ኣቕራቢ ኢሳይያስ ቢዘን
1- ፍጹምን ሓቀኛን ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እምነት እዩ። እግዚኣብሄር ስቕ ኣብ ዝብለሉ ጊዜ’ውን ክንቅጽል ዝገብረና ንሱ እዩ (እምነት) ።

2- ፍቕሪ ትዕግስቲ ትሕትና ካልኦት ኩሎም መንፈሳዊ ፍረታት ባህርይና ስለ ዝኾኑ ክንፍጽሞም እንተ ዘይኪልና ክርስትና ጻዕሪ እምበር ዕረፍቲ ኣይንርእየሉን ኢና። (ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ)
– ኣቕራቢ ፊልሞን ተስፋስላሴ

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሸውዓተ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ግሩም ትንሳኤ፡ ቅንኢ፡ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።