ዝፈስስ  ብመንፈስ  ኣምላኸይ

 ዝቐድሓሉ  በረኸት ሰማይ

ምንጩ ካብ ኣቦ ጎይታይ

ዝመልእ ዘህድእ  ልበይ

ዘብዝሕ ዘውሕዝ ሰላመይ

ዘይነጽፍ ነባሪ  ሓጎሰይ

        ካብ ውሽጠይ ከም ውሒዝ ዝዛሪ

        ብእምነት ዝቕዳሕ ዛራ ፍቕሪ

        ዔላ ህይወት ዘለኣለም ፈልፋሊ

      ጽምኢ ጽድቀይ ብምልኣት ዘርዊ

                ዝኾነለይ ብእኡ በቲ  ዘፍቀረኒ

           ብሞቱ  ምስ ኣቦ ዝዓረቐኒ

     ኣብ  ሰማይ ምስኡ  ዘቐመጠኒ

           ብፍቕሩን ምሕረቱን ዝጓስየኒ

           ንስሙ ምስ ኣመንክዎ መንፈሱ  ‘ሃበኒ

           ንዘለኣለም ካብ ውሽጠይ ማይ ህይወት ዘዛሪ

           ብኹሉ ዘኽብሮ ንጎይታ ክብሪ።

ዝጸምኤ እንተሎ፣ ናባይ  ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፣ እቲ  ጽሑፍ  ከም   ዝበለ ካብ  ከብዱ ርባታት ማ  ህይወት ኪውሕዝ ዩ።” 

(.ዮሃንስ 7፣ 37-38)

                                                 ኤርምያስ ጸጋይ