ስምካ ማሕደር : ናይ ዝገሹ ሰባት

ተቐቢልካ ተዕርፍ : ተሳሲ ህያባት

ትቕበል ተአንግድ : ኣብ ኩለን ሰዓታት

 

ዝናኻ ወጺኡ : ተቐባል ድኹማት

ኣገልግሎትካ ዝንኣድ : ዘይፈጥር ሕቶታት

ትሕትናኻ ምቕሉል : ሰሓቢ ህቡባት

 

ዘረባኻ ምቑር : ማራኪ ነብሳት

ንስምዒት ዘርዊ : ዘሰራስር ኣእጋራት

ክውንነት ዘረስዕ : ዘዛኒ ዕላማታት

 

ኣዳራሽካ ምዕሩግ : ፈጣሪ ባሕታ

ዘንጸባርቕ መንደቕ : ዝመልአ መስቀላት

ውጻእ ዘይመጸካ : ፈጣሪ ሓጎሳት

 

ኣገልገልትኻ ምቑልላት : መሰልቲ ትሑታት

ከም መላእኽቲ ኣምላኽ : ወትሩ ሕጉሳት

ኣቀባብልኦም መሳጢ : መሰልቲ ሓቀኛታት

 

እንታይ ደኣ ኮይኑ…..

እንታይ ደኣ ኮይኑ : ስፍራ ስኢንካለይ

ብዙሕ እኮ ኣይሓተትኩን : እንትርፎ ምቕባለይ

በል ካብ ዘይብልካ : ክኸይድ ናብ መብልዕ ማለይ……

 

ብሓውና ሳሙኤል ኣብርሃ