እዛ ሓዳሽ ዓመት እንከይተጀመረት
ምስ ገዛእ ርእሰይ ጀመርኩ ምጉት
ስርዕርዕ ኣቢለ ዝደልዮ ሸቶታት
ነዛ ጥሪ ፈጺመ ኣይተጸበኹን

ንሓደ መዓልቲ 10000 ስጉምታት
ኣዘዝኩሉ ስጋይ ክኸውን ንምጥዓይ
ኣይሰሙን ሳልስቲ ተወዳእኩ ድኻም
ቀጨውጨው……. እዋይ ጸገም!!!!

ጥቕሲ ተዘርዚሩ ክድግፍ ስንፍናይ
ስጋዊ ምልማድ ንቑሩብ ይጠቅም
ኢለ ጠቢረዮ ኣአንጊደ ትህኪት
ቁሪ ጥሪ ውን ፍጹም ኣይሓገዘን
ደመና ኣኽቢዱ :ተፊእዎ ዝናም
ወዮ ኣእጋር ተዓጺፈን ኮፍ
ኮቦርታ ወጺኡ ቁሩብ ከተዕርፍ

ኣበየናይ ማሕረስ ተዋዒሉ ትጎባጎብ??
ኣየ!! ያኢ ኣስቦርቲ ክስርሓለይ…
ትሩፍ……

ዮሃንስ ኣብቲ ሳልሳይ መጽሓፍ
ድለየለይ እሞ ከፊትካ ኣንብብ
ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡
ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን
እምነየልካ አሎኹ ዶ ኣይበለን?

ከምቲ ንነፍሲ :የድልዮ ስጋኻ
ምክንኻን ግዜ ዓዲግካ
ህያውን ቅዱስን ክትገብሮ
ግሃሉ ብኣግኡ እንከሎ

ርሓቕ ካብ ህሩፍ በላዕ ስጋ
ዝብል’ሲ ነቢብካ ዶ ኣሎኻ
እሞ ኸ? እንታይ ይመስለካ
ንጥዕና ምኽሪ ይኹንካ
እሞ ሃየ እንተሓመቕካ ሱግሚ
እንተነፋዕካ ክትጎዪ
ጀምር እሞ!!!!
1,2,3…….10000.


ብሓፍትና ብሌንዓይኒ እስክንድር