መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሽዱሽተ ውን ወጺኣ ኣላ፡ ኣዛ መጽሄት እዚኣ ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ኣብ ኣሰር ኣርኣያኡ፡ ዝተርፍ በረኸትን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕን ዝብሉ ትሕዝቶታት ሒዛ ኣላ።
መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሓሙሽተ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ዘንጽህ ፍታው፡ ህይወት ዘፍረየ ሞት፡ ሞት ዓስቢ ሓጢኣት፡ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።
መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ኣርባዕተ ውን ወጺኣ ኣላ፡ ኣዛ መጽሄት እዚኣ ትንሳኤ ካብ ምውት ግብሪ፡ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝዝከር ብቕሪን፡ ህይወት ዘጥረየ ሞትን ዝብሉ ትሕዝቶታት ሒዛ ኣላ።
እዛ ራእይ እትብል መጽሓፍ ብዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ኣብ 1999 ዝተጻሕፈት ኰይና ትርጉም፣ ኣካላት፣ ዓይነት፣ ባህርያት፣ ምንጪን ጥቕሚን ራእይ፣ ራእይ ብኸመይ ከምዝሕሎን ብራእይ ንምዕባይ ዝሕግዙና ነገራትን ካልኦትን ዘጠቓለለት እያ። እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ጉጅለ ይኹን ብውልቂ በዚ ኣርእስቲ መጽናዕቲ ንምግባር ከምእትሕግዝ ኰይና እያ ተዳልያ።
እዛ ካልእ ወንጌል እትብል መጽሓፍ ብዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ኣብ 2002 ዝተጻሕፈት ኰይና ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሃገርና ገኒኑ ዝነበረን ሕጂውን ኣብ ዓለም ብሰፊሑ ዝቕጽል ዘሎን ስሑት ትምህርቲ ንምቅዋምን ንመጓሰ ኣምላኽ ንምሕላውን ዝዓለመት እያ።
መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሓደ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ቃል እግዚኣብሄርን ኣድላይነቱን፣ ስነ-ጽሑፍ-ዝተረስዐ ኣገልግሎት፣ ዘሐጉስ ፍርሃት፣ ሓጢኣት – ምቁር መርዚ ከምኡውን ብሓቂዶ ክንጭነቕ የድልየና እዩ፧ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።