Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሽዱሽተ ውን ወጺኣ ኣላ፡ ኣዛ መጽሄት እዚኣ ኣገልጋልን ኣገልግሎቱን፡ ኣብ ኣሰር ኣርኣያኡ፡ ዝተርፍ በረኸትን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕን ዝብሉ ትሕዝቶታት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሓሙሽተ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ዘንጽህ ፍታው፡ ህይወት ዘፍረየ ሞት፡ ሞት ዓስቢ ሓጢኣት፡ ከምኡውን እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ኣርባዕተ ውን ወጺኣ ኣላ፡ ኣዛ መጽሄት እዚኣ ትንሳኤ ካብ ምውት ግብሪ፡ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዝዝከር ብቕሪን፡ ህይወት ዘጥረየ ሞትን ዝብሉ ትሕዝቶታት ሒዛ ኣላ።

Posted on Posted in

እዛ ራእይ እትብል መጽሓፍ ብዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ኣብ 1999 ዝተጻሕፈት ኰይና ትርጉም፣ ኣካላት፣ ዓይነት፣ ባህርያት፣ ምንጪን ጥቕሚን ራእይ፣ ራእይ ብኸመይ ከምዝሕሎን ብራእይ ንምዕባይ ዝሕግዙና ነገራትን ካልኦትን ዘጠቓለለት እያ። እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ጉጅለ ይኹን ብውልቂ በዚ ኣርእስቲ መጽናዕቲ ንምግባር ከምእትሕግዝ ኰይና እያ ተዳልያ።

Posted on Posted in

እዛ ካልእ ወንጌል እትብል መጽሓፍ ብዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ኣብ 2002 ዝተጻሕፈት ኰይና ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሃገርና ገኒኑ ዝነበረን ሕጂውን ኣብ ዓለም ብሰፊሑ ዝቕጽል ዘሎን ስሑት ትምህርቲ ንምቅዋምን ንመጓሰ ኣምላኽ ንምሕላውን ዝዓለመት እያ።

Posted on Posted in

መጽሄት እንጌራ ህይወት ቁጽሪ ሓደ ወጽኣ ኣላ፣ እዛ መጽሄት ቃል እግዚኣብሄርን ኣድላይነቱን፣ ስነ-ጽሑፍ-ዝተረስዐ ኣገልግሎት፣ ዘሐጉስ ፍርሃት፣ ሓጢኣት – ምቁር መርዚ ከምኡውን ብሓቂዶ ክንጭነቕ የድልየና እዩ፧ ዝብሉ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ።