Lyrics

1. ኣብ ልዕሊ ካልኦት – ከየልዕል ኢደይ
ከውጽኣልካ በሰር – ከይብሎ ንሓወይ
ሕጅስ ምሃረኒ – ትሕት ምባል ኣቦይ
ቅድም ከውጽእ – ጉንዲ ካብ ዓይነይ

ተደ፡ ምሕረትካ ዓብዩ – ተዓጻጺፉ ኣባይ
ሳህልኻ በዚሑ – ከሊሉዋ ነፍሰይ
ካባኻ እዩ እምበር ናተይ ዝብሎ ነይብለይ
ኩነለይ ከም ስቑል ወርትግ ኣብ ኣዒንተይ
ብዓወት ክፍጽም – ዝጀመርኩዎ ጉያይ
ኩነለይ ከም ስቑል – ወርትግ ኣብ ኣዒንተይ

2. ካብታ እክይቲ – ዘይትዓርፍ ከንፈር
ካብ ወስላታ መልሓስ – ብጻያ ተጸልም
ከይከውን ደፋር – ዝብል ኣነ ኣነ
ከናፍረይ ሓሉ ኢየሱስ – ቀፊር ግበረሉ

ተደ፡ ምሕረትካ ዓብዩ – ተዓጻጺፉ ኣባይ
ሳህልኻ በዚሑ – ከሊሉዋ ነፍሰይ
ጽቡቕ መዝገብ ይኹን – ፍሬኻ ዘፈልፍል ልበይ
ንብዙሓት ዘመቅር – ወንጌልካ ዘበስር /2/

3. ካብ ትምኒት ጉብዝና – እናሃደምኩ
ክእመን ከርሕቕ – ንበደለይ ኩሉ
ክምርምር ክፍትሽ – ቅድም ንህይወተይ
ናትካ ክኸውን – ትብለኒ ውሉደይ

ተደ፡ ምሕረትካ ዓብዩ – ተዓጻጺፉ ኣባይ
ሳህልኻ በዚሑ – ከሊሉዋ ነፍሰይ
ብርዝነት ክመላለስ – ክቡር ካብ ሕሱር ክፈሊ
ሓሳብካ ክኸውን – ናይ ህይወተይ ራእይ /2/

4. ብእምነት ንጽህና – እናተመላለስኩ
ክወጽእ ምሳኻ – ጥብቕ እናበልኩ
ብጽድቂ ቅድስና – ስዒበ ኣሰርካ
ካብቲ መጀመርታይ – ኣጸብቕ መወዳእታይ

ተደ፡ ምሕረትካ ዓብዩ – ተዓጻጺፉ ኣባይ
ሳህልኻ በዚሑ – ከሊሉዋ ነፍሰይ
ካባኻ እዩ እምበር ናተይ ዝብሎ ነይብለይ
ኩነለይ ከም ስቑል ወርትግ ኣብ ኣዒንተይ
ብዓወት ክፍጽም – ዝጀመርኩዎ ጉያይ
ኩነለይ ከም ስቑል – ወርትግ ኣብ ኣዒንተይ