Lyrics

ምቅብባል ይኹነልና

ተደ፡ ምቅብባል ይኹነልና ኢየሱስ/ጐይታ /4/
ብደምካ ክዳውንቶም ንዘጻዕደዉ
ኣብቲ ሰፊሕ ግራትካ ብዕዮኻ ንዝጸንዑ
ከም መዓይይትና ከም መገላግልትና ቈጺርና
ብፍቕሪ ብዓቕሊ ምቅብባል ይኹነልና / ብለውሃት ሕያውነት ምቅብባል ይኹነልና /2/

1. ዕዮታትና ዂሉ – ብምንኻስ ብምብላዕ
ስለ ነፍሳት ግዲ ዘይብሉ – ዘምርሕ ናብ ምጥፋእ
ምሳኻ ዘሎና – እናመሰለና – መዓይይቲ ጸላኢ ዄንና
ሎሚ ግን ይእከለና /2/ – ምሳኻ ምእካብ ይኹነልና

2. ሰማያት ዝፋንካ – ልብና መርገጺኻ
ልብና ኽትዓርፈሉ እንክትርእዮ – እኾኽ መሊኡ መቕደስካ
ኣቦና ኣበይ ደኣ – ክትዓርፍ ኢኻ – ካባና ኣዚና ኣርሒቕናካ
ሎሚ ግን ይእከለና /2/ – ልብና ይገዘር/ይገዛእ ንኣኻ

3. ብምንዕዓቕን – ኣንጊስና ብምቕታልን
ኣብ ኣሕዋትና ንእተቐመጠ – ቅብኣትን ውህበትን
ኣጥፊእናዮ – ተበላሊዕና – ካባና ርሒቑ በረኸትና
ሎሚ ግን ይእከለና /2/ ልብና ይምላእ ብትሕትና / የንጀርብብ ትሕትና