Lyrics

    ስርዓታትካ

1. ስርዓታትካ – ንሓዋሩ – ክፍሊ ርስተይ’ዮም
ደቂሰ ተንሲአ – ዘስተንትኖም
ሕጊ ኣፍካ – ካብ ብሩር ወርቂ ‘ምረጽ
ዕረፍቲ ልበይ – ሓጎስ ዘለኣለመይ
ወሰን ወሓዚ ማይ – ከም እተተኽለት ልምዕቲ ኦም
ዘይረግፍ ቈጽላ – ዘይደክም ሓይላ
በብጊዚኡ ፍረይ – አቕርበልካ ንጉሰይ
ዝገብሮ ኩሉ – ንኽብሪ ስምካ ይኹን

ተደ፡ ብምኽሪ ረሲኣን ኣይመላለስን – ኣብ መገዲ ሓጥኣን ኣይቀውምን
መንበር መላገጽቲ ኣይቅመጦን – ንእኩይ ግብሮም’ውን ኣነስ ኣይሓብሮን
ብሕግኻ እግዚኣብሄር – ልበይ ይፍሳህ – ለይቲ ምስ መዓልቲ – ከስተንትኖ እነብር /2/

2. ምስክራትካ ባህታ ልበይን – መኸርተይን’ዮም
ተኣምራት ሕግኻ – መብራህቲ ‘ዒንተይ
ናብ ትእዛዛትካ – ኣእዳወይ አልዕሎ
ብዘፍቅሮ ቃልካ – ልበይ ይሕጎስ ኣሎ
ንስጉምተይ – ኣብ ቃላትካ – ኣጽንዓዮ
ኣነ’ውን ትእዛዝትካ – ክሕልዎ
ቃልካ ኢየሱሰይ – ካብ መዓር ወለላ ይምቅር
ንእግረይ መብራህቲ – ንመገደይ ብርሃን

3. ከም ብዙሕ ምርኮ – ዝማረኸ – እሕጎስ ብቓልካ
ስለ ጽድቂ ፍርድኻ – አመስግነካ
ንሕግኻ ኣፍቂረ – ሰላመይ በዚሑ
ሓለፋ መምህራነይ – ብጥበብ ለበምኩ
መገድታትካ – ንህይወተይ – ዓንዲ ብርሃን’ዮም
ኣብ ዘመን ግሽነተይ – መዝሙርካ ሓይለይ
ንፍድታትካ – ከናፍረይ የዘንቱ
ብመገዲ ምስክርካ – እሕጎስ ኣለኹ