Lyrics

ንምለስ ኣሎና

1. በደልና በዚሑ – ሓጢኣትና ገኒኑ
ብምድራዊ ሓሳብ – ስጋውነት ሰልጢኑ
መጋበርያ ረብሓ – ኮይኑ ኣምልዀና
ብዋጋ ነፍስና – ንነብር ንስጋና – ምሕረት ግበረልና

ተደ፡ ንኹራ ደንጓዪ – ንእከይ ተጠዓሲ
ብምሕረትካ ዓብዪ – በዓል ምሉእ ሳህሊ
ምዃንካ ፈሊጥና – ምሕረትካ ኣሚንና
ንምለስ ኣሎና – ጐይታየ ርድኣና /2/

2. ብትዕቢት ተነፊሕና – ደሊና ብዙሕ ተድላ
ብብዝሒ ድኻምና – ኣጽዋርና ዓመጻ
ፍሬና መጺጹ – ዘይተጸበኻና
ንንሳሕ ኣሎና – ኣብ እግርኻ ወዲቕና – ኣሚንና ሓጢኣትና
ክብርኻን ዕቤትካን – ኣበላሺናዮ
ንርእስና ምንባር – ንቡር ወሲድናዮ
ጸጋኻ ንኸንቱ – ረብሓና ኣውዒልናዮ
‘ቲ ዋጋ ናይ ደምካ – መስዋእትኻ ኣፍኲስናዮ – እምብዛ ኣብዚሕናዮ

3. ‘ቲ ዝመሃርካና – ፍርሃትካ ትሕትና
ክንሕልዎ ጐይታ – ምሕጻብ ኣእጋር ኣሕዋትና
ብወርቂ ክንሃንጽ – ተግባርና ዕዮና
ብሓዊ ሓሊፉ – መታን ክትንእደና – ጐይታየ ርድኣና
ደበና ክብርኻ – ከጎልብባ ቤትካ
ኣብ እግርኻ ንወድቕ – እነና ባሮትካ
ተመሊስና ጐይታ – ይገለጽ ክብርኻ
ክንትንስእ ባሮትካ – ክንዕጠቕ ጸጋኻ – ክንምላእ ሓይልኻ