Lyrics

ንኣኻ ኣምስለኒ

ተደ፡ ንኣኻ ኣምስለኒ
ምሕረት ክገብር – ንዝበደሉኒ
ሓይሊ ክረክብ – ጐይታ ደግፈኒ

1. ቀታሊ ነፍሲ’ዩ – ሓዉ ዘየፍቅር
ዝብል ህያው ቃልካ – ኣብ ውሽጠይ ክሓድር
ኢየሱሰይ ንኣኻ – መታን ክርእየካ
ኣብ ልበይ ኣፍስሶ – ወሓዚ ፍቕርኻ /2/

2. ንቓልካ ክሰምዖ – ምሳይ’ውን ክሓብር
ክስጉም ንቕድሚት – ምሳኻ ክነብር
ከምቲ ዝበልካኒ – ከፍቅር ብጻየይ
ሰላም ክመልኣኒ – ክበዝሕ’ውን ጽድቀይ /2/

3. ከይብድል ንኣኻ – ከይገብር ድላየይ
ሕነ ከይፈዲ – ኣብ ልዕሊ ብጻየይ
ናባኻ ክጥምት – ናብ እተሰቐልካለይ
መታን ክዝክሮ – ዝሞትካዮ ስለይ /2/

4. ንልበይ ምልኣዮ – ብለውሃት ድንጋጸ
ናይ ላዕሊ ክሓስብ – ነቲ ዝበለጸ
ንስጋይ ክቐትል – ምድራዊ ድሌተይ
መንፈስካ ምልኣኒ – ንኽብርኻ ጐይታይ /2/