Lyrics

ኣምላኽና ትዓቢ

ተደ፡ ኣምላኽና ትዓቢ – ካብ ኩነታትና
ኢየሱስና ትዓቢ – ካብ ሕቶታትና
ኣምላኽና ትዓቢ – ካብ ኣኽራናትና
ኢየሱስና ትዓቢ – ካብ ማዕበላትና

ስለዚ ንኹነታትና – እግዚኣብሄር ዓብዪ’ዩ ንብሎ
ስለዚ ንሕቶታትና – እግዚኣብሄር ዓብዪ’ዩ ንብሎ
ስለዚ ኣኽራናትና – እግዚኣብሄር ዓብዪ’ዩ ንብሎ
ስለዚ ንማዕበላትና – እግዚኣብሄር ዓብዪ’ዩ ንብሎ

1. ብምርካብ ብምስኣን ኩሉ እቲ ንሓልፎ
ብብርታዐ ድኻም ኩሉ ንሳገሮ
ንስኻ ኣብኡ ምሳና
ብጸበባ ፍጡን ረዲኤትና – ኢየሱስ ጎይታና

2. ክኾነልና እንምነዮ ሕቶታትና
መልሲ ኣብ ዘይተረኽቦ ድሌታትና
ብጽቡቕ ከተጽግበና
መፍትሒ ንኹሉ ግድላትና – ኢኻ ኣምላኽና

3. ተስፋና ኣብ ቅድሜና በሪሁ ከይንርኢ
ዝኽልክሉና ኣኽራናት ምድሪ
ካብ ምህላውካ እተላዕለ
ጎልጎል ይኸውን ኣኽራን ዘበለ – ኩሉ ብስምካ ይእለ

4. መርከብ እምነትና ዘናውጽ ህቦብላ ንፋስ
ኩሉ ዝዓፍር ዝሃምም ማዕበላት
ቃልካ ሰሚዑ ይኸውን ህድኣት
ዕረፍቲ ይኾነልና ካብ ምንዋጽ – ብኣኻ ብጎይታ ኢየሱስ