Lyrics

ብ መዘምራን መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤትክርስትያን።
ጸበባና ዝጸቦ ብዘይካኻ መን ኣሎ ብለውሃቲ ዝብጆ ብዘይካኻ’ስ መን ኣሎ
ዝሓለፈ ዘመናት ሓንጊሩ ዝሓዘለ ንስኻ እንተዘይኮይኑ ኣምላኸይ ሓደ የለን
ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እስራኤል’ውን ኣየለልየናን ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና ኣባኻ ጥራይ’ዩ ምድሓና
ዓቢ ባሕሪ ከፊሉ ብ ማእከል ዘሕለፈ ንቕዱስ መንፈስ ውን ውሽጢ ልቦም ዘሕደረ
ከም ፈረስ ኣብ በረኻ ከይዓንቀፈ ዝመርሐ ብዘይካኻ መንኣሎ ‘ቲ ኹሉ ዝገብረ