Lyrics

ዎ እግዚኣብሄር ብጽሓያ ንምድርና

1. ዎ እግዚኣብሄር – ብጽሓያ ንኤርትራ
ኣርሕቐላ ኩሉ – ‘ቲ መከራ
ጐይታየ ክግለጽ’ቲ – ዓቢ ስምካ
ዘርግሓልና ሕያዎት – ኣእዳውካ /2/

2. መከራና በዝሐ – ብዘይ’ምእዛዝና
ኣብ ኢድካ ከምዘሎና ብዘይምስትውዓልና
ኢየሱስ ለውጥ ዝተረረ ልብና
ኣምላኽና ገጽካ – ምለሰልና /2/

3. ናብ ጥፍኣት ከየምርሓ – ኣእጋርና
የማን ጸጋም ከይንብል ገዲፍናካ
ኣምላኽና ይቕረ በል – ንበደልና
ከይንኸውን ግዳይ – ጸላኢና /2/

4. ዎ እግዚኣብሄር – ብጽሓያ ንምድርና
ኣርሕቐልና ኹሉ – መከራና
ጐይታየ ክግለጽ – ዓቢ ምሕረትካ
ዘርግሓልና ሕያዎት – ኣእዳውካ /2/

ተደ፡ ከምቲ ጥፉእ ወዲ – ደሓር እተጣዕሰ
ጌጋኡ ኣሪሙ – ናብ ኣቦኡ እተመልሰ
ንሕና’ውን ኣምላኽና – ናባኻ ንምለስ
ህዝብና ክድሕን – ምድርና ክትፍወስ