Lyrics

ዝፍጸም ተስፋ’ዩ ዘሎና

ተደ፡ ዝፍጸም ተስፋ’ዩ ዘሎና /3/
ነደንግጽ ኣይኰንናን – እሙን’ዩ ኢየሱስና

1. እሙን’ዩ – እቲ ዘተስፈወና
ቃሉ ዝሕሉ – ጽኑዕ እዩ ኣምላኽና
ኣይንጠራጠርን – ኣይንሰግእን ኢና
ዝፍጸም – ተስፋ’ዩ ዘሎና (እሙን’ዩ ኢየሱስና)

2. ሽዓ ዝሓልፍ – ቀሊል ጸበባና
ኣብዛ ምድሪ – ነደንግጽ ዘምስለና
ነቲ ኣብ ሰማይ – እተነብረ ዓስብና
ከም ዘይመዓራረዮ – ንፈልጥ ኢና (ክቡር’ዩ ርስትና)

3. ብዓይኒ ሰብ – ከቶ ዘይተራእየ
ኣብ እዝኒ – ዘይተዘነየ
ኣብ ልቢ ሰብ’ውን – ዘይተሓስበ
እዩ ተስፋና – ሰማያዊ ነገር (ሰማያት’ዩ ሃገርና)

4. እንተሓለፍና – ብብዙሕ ምስቁርቋር
ስጋና ተኸበዶ – መከራ ምጽዋር
ጎይታ ምስዝግለጽ – ብኽብሩ ክንርእዮ ኢና
ውርደትና ኣብቂዑ – ንኢየሱስ ክንመስል ኢና (ብጊዜ ምጽኣቱ – ንኢየሱስ ክንመስል ኢና)

5. ዝተጸበናዮ – ኣምላኽና ክመጽእ’ዩ
ንብዓትና ክደርዝ – ካብ ገጽ ደቁ
ክስልመና – ብሉጽ ኣኽሊል ህይወት
ከጸናንዓና – ብናይ ገጹ ትርኢት (ብጎይታ ስዒርና – ናብ ክብሩ ክንኣቱ ኢና)