Lyrics

ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ

1. ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ባህ ይበልኪ – ኣምላኽ ያእቆብ’ዩ ረዲኤትኪ
ካብ ጉድጓድኪ ዘውጽኣኪ – ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘምጽኣኪ
ኩሉ ኣበሳኺ ዝሓድገልኪ – ዝፍውስ ንኹሉ ሕማምኪ
ከም ንስሪ ዝሕድስ ንህይወትኪ – ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ባርኺ

ተደ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃቢ /2/
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ /2/
ዝተገብረልኪ ኣይትረስዒ /4/

2. ህያው ህያው ኣምላኽ እዩ ዘሎኪ – ዝርኢ ዝሰምዕ እዩ ንጉስኪ
ዝዛረብ ዝምልስ እዩ ጎይታኺ – ዝምሕር ዘጽድቕ እዩ ኣምላኽኪ
ንተስፋኡ ጋሻ ዝነበርኪ – ትጽቢት ዘይብልኪ ክነስኺ
ምሕረት ኣምላኽ ግን በዚሑልኪ – ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃቢ

3. ከም ኢየሱስ የለን ዝጓሲ – ንዝጠፍአት ዘናዲ
ንመጓሴኡ ዝኣሊ – ንዝወደቐ ኣተንሳኢ
ንዝጨነቖ ረዳኢ – ንዘተስፈዎ ፈጻሚ
እሙን እሙን ኣምላኽ እዩ ዘሎኪ /2/

4. ኣምላኸይ ንሱ ኣዝዩ ዓቢ እዩ – ግርማን ክብርን ዝለበሰ’ዩ
ንብርሃን ከም ልብሲ ዝለበሶ – ንሰማያት ብዘይዓንዲ ዘቖሞ
ንርሻኑ ኣብ ማያት ዝሃነጾ – ንደበና ሰረገላኡ ዝገበሮ
ፍቓዱ ትፍጽሙ ኣገልገልቱ – ንስም እግዚኣብሄር ባርኹ